ኣብ ከተማ ጁባ፣ ኣብ ስርቂ ተዋፊሮም ጸኒሖም ዝተባህሉ 26 ዜጋታት ኡጋንዳን ሶማልን ተቐይዶም

Radio Erena: 09 January 2017

Juba

ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ጁባ፣ ምስ ስርቂ ዘረፋን ብዝተተሓሓዘ ገበናት 26 ዜጋታት ሶማልን ኡጋንዳን ቀይዶም።

ኣፈኛ ሓይልታት ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ሳንቶ ዶሚክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መካይንን ብቦዳ ቦዳ ዝፍለጣ ሞተርሳይክልን እናተጠቕሙ ኣብ ስርቅን ዘረፋን ተዋፊሮም ዝጸንሑ 26 ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ምቕያዶም ኣረጋጊጹ።

እቶም ኣብ ከተማ ጁባ፣ ኣብ ስርቂን ዘረፋን ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት ኡጋንዳን ሶማላን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ብዘይፍቓድ ጠበናጁ ንዝውንኑ ሰባት ገዛ ገዛ እናኣተው ኣብ ዝፍትሽሉ ዝነበሩ እዋን ምዃኑ ሬድዮ ዳባንጋ ጠቒሳ።

ከተማ ጁባ፣ ንዘለዋ ጸጥታዊ ሃጓፋት እናተጠቕም፣ ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን ኣብ ምዝራፍ ዝተዋፈሩ ሰባት ብብዝሒ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

ምስ ስርቅን ዘረፋን ብዝተተሓሓዘ’ውን ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎም ሓያሎ ነጋዶን ኣውፈርትን ጉድኣት ክበጽሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0