ጅቡቲ፣ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ስዑዲ ዓረብ ኣብ መሬታ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ

Radio Erena: 06 December 2016

DJ FM

ጅቡቲ፣ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ስዑዲ ዓረብ ኣብ መሬታ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ምሕባሩ፣ ማዕከን ዜና ኣል ዓረብያ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር፣ ንወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ንወትሃደራዊ መዓስከር ከገልግል ናብ ዝኽእል ሓያሎ ከባቢታት ጅቡቲ መሪሕዎም ከምዝተዘዋወረ ብምጥቃስ፣ እቲ ስምምዕ ግና ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክኽተም ትጽቢት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ እትግለጽ ጅቡቲ፣ ድሕሪ ምቛም’ቲ ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝቐንዐ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ግና መንግስቲ ጅቡቲ ኣሰር ስዑዲ ብምስዓብ ምስ ቴህራን ዝነበሮ ኩሉ ዓይነት ዝምድና ከምዝበተኸ እቲ ሚኒስተር ኣረጋጊጹ።

 

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ካብ ዝጅምር፣ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ኤርትራ ግዝያዊ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ንምቛም’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ጃፓን ክህሉ እንከሎ፣ ቻይና’ውን ኣብ ምቛም’ያ ትጓየ ዘላ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0