መሰል ደቂ ሰብ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትመርሕ ተመዚዛ

መሰል ደቂ ሰብ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትመርሕ ተመዚዛ

Radio Erena: 21 September 2015

Saudi UN

ሕቡራት ሃገራት፣ ነታ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብቀዳመነት ካብ ዝጥቐሳ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክትመርሕ ምምዛዙ ተነቒፉ።

እቲ ኣህጉራዊ ውድብ፣ ኣብ ጄኔቫ ንዝርከብ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፈይሰል ቢን ሓሰን ትራድ ኣቦ መንበር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ዝመዘዘሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይሓበረን።

እንተኾነ፣ ሕቡራት ሃገራት ነታ መሰል ደቂንስትዮ፣ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፣ መሰል ሃይማኖትን ካልእ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብን ዘይተኽብር ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል ክትመርሕ ምምዛዙ መስደምም’ዩ ክብሉ ሓይሎ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹንኑ።

 

ስዑዲ ዓረብ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብኣቦ መንበርነት ክትመርሖ በቲ ውድብ ምምዛዛ፣ ንተኣማንነት እቲ ባይቶን እቲ ውድብ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ ክብሉ’ውን ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የመልክቱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብምግሃስ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ምስ ቀዳሞት 10 ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለም’ያ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0