ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም

ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 21 September 2015

NY demo

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ንዘቕረበቶ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምጉላሕን ኣብ ኒው ዮርክ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን ነቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከበሉ ከተማ ኒውዮርክ ን29 ጥቕምቲ ከካይድዎ ወጢኖም ዘለዉ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ክንዲ’ቲ ኣብ ኤርትራ ልሳኑ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ብምዃን፣ ስቃይ ህዝቢ ከቃልሑ ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

 

500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ እታ ኮሚሽን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ26 ሰነ 2015 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተም ጀኔቫ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኻብ፣ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትእኽኻብ፣ እቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ሓቂ ብምዃኑ ዘለዎም ደገፍ ምግላጾም ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ምስዚ ኣብ ጄኔቭን ኣዲስ ኣበባን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታት ብዝምለሳስል መልክዕ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንምውዳብ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ንምርግጋጽ ዘኽእላ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡዋ፣ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0