መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ልበሽር ንምስታፍ ናብ ካርቱም ከምርሑ’ዮም

መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ልበሽር ንምስታፍ ናብ ካርቱም ከምርሑ’ዮም

Radio Erena: 26 May 2015

Alba

መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንምስታፍ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ካርቱም ክርከቡ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ቻድን’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክርከቡ ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣሚቱ።

እቲ ማዕከን ዜና ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ዶክተር ሙስጣፋ ዑስማን እስማዒል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ብዘይካ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ወከልቲ መንግስታት ቻይና፣ ሩስያን ካልኦት’ውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖም ጠቒሱ።

 

ካብ 1989 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 94.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ’ዩ ተገሊጹ።

ብመሰረት ውጽኢት እቲ ምርጫ፣ ብኣልበሽር ዝምራሕ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ 426 መናብር ዘለዎ ፓርላማ እት ሃገር እቲ 323 ክዕወት እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ መናብር ከኣ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ክውነን’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ንተወሳኺ 5 ዓመታት ፕረዚደንት ሱዳን ኮይኑ ንከገልግል 2 ሰነ 2015 ቃለ-መሓላ ክፍጽም’ዩ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0