ናብ የመን ዝቐንዐ ረዲኤት ዝጸዓነት ነፋሪት ኢራን ኣብ ጅቡቲ ከይትዓልብ ተኸልኪላ

ናብ የመን ዝቐንዐ ረዲኤት ዝጸዓነት ነፋሪት ኢራን ኣብ ጅቡቲ ከይትዓልብ ተኸልኪላ

Radio Erena: 26 May 2015

Iranaid

ናብ የመን ዝቀንዐ 20 ቶን ረዲኤት ዝጸዓነት ናይ ኢራን ነፋሪት፣ ኣብ ጅቡቲ ከይትዓለብ ተኸልኪላ።

እቲ ካብ ኢራን ብቀይሕ ወርሒ ተለጊሱ ብኣፍልጦ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ መግቢ ዓለምን ብመንገዲ ጅቡቲ ናብ የመን ክኣቱ ዝተወጠነ ረዲኤት ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ኣብ ጅቡቲ ከይትዓልብ ስለዝተኸክከለት ናብ ኢራን ተመሊሳ ምህላዋ’ውን ተሓቢሩ።

 

እት ነፋሪት፣ ናብ የመን ዝቀንዐ ረዲኤት ኣብ ጅቡቲ ንኸተራግፍ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃባ ምስ ጽዕነታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢራን ተዓሺጋ ከምዘላ ሰበስልጣን ኢራን ኣረጋጊጾም።

ኣቐዲማ ኢራን ብተመሳሳሊ 2500 ቶን ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ የመን ከምዝልኣኸት ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ መርከብ ኣብ ጅቡቲ ከምዝተራገፈት ውድብ መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እታ መርከብ ብቀጥታ ናብታ ተቓወምቲ ሑቲ ተቖጻጺሮማ ዘለዉ ወደብ ሖዲይዳ ክትጽጋዕ ምዃና ይግለጽ እኳ እንተነበረ፣ ኢራን ነቲ ብኣመሪካ፣ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን ዝተነበረ ዝኾነት ሃገር ብዘይኣፍልጦአን ንክሊ ኣየር፣ መሬትን ባሕርን የመን ከይትጥሕስ ዘጠንቕቕ ኣዋጅ ብምኽባር’ያ ናብ ወደብ ጅቡቲ ኣመሪሓ።

እንተኾነ ጅቡቲ ነታ ተመሳሳሊ ተልእኾ ከምዝነበራ ዝተነግረት ናይ ኢራን ነፋሪት ከይትዓለብ ዝኸልከለትሉ ምኽንያት ዛጊት ኣይተነጸረን።

ነፈርቲ ኵናት ስዑዲ ዓረብ ኣቀዲመን’ውን ብቀጥታ ካብ ኢራን ተበጊሳ ናብ የመን ንምዕላብ ዝወጠነት ነፋሪት ብግዴታካብ ክሊ ኣየር የመን ክትወጽእ ከምዘገደዳ ወትሃደራውያን ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ናብ የመን ዝቐንዐ ሰብኣዊ ሓገዝን ረዲኤትን ብመንገዲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ክምእከል’ዩ ተወሲኑ ዘሎ።

=====================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0