መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን  ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም ብዝምልክተ ናብ ኣሚር ቀጠር  ደብዳቤታት ልኢኾም

መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም ብዝምልክተ ናብ ኣሚር ቀጠር ደብዳቤታት ልኢኾም

Radio Erena: 25 May 2016

Amir

መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም ብዝምልክተ ናብ ኣሚር ቀጠር ደብዳቤታት ልኢኾም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ብ19 ግንቦት ናብ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሱልጣን ቢን ሰዓድ ኣል ሙራኢኪ ዘረከበ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም’ዩ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ’ውን ብተመሳሳሊ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ብ22 ግንቦት ንኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብቀጥታ ዘረከበ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ቀጠር ሙእሚን ሓሰን ባረ ምዃኑ ካብ ኣዶሓ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረድእ።

 

ክልትኦም ፕረዚደንታትት ኣብቲ ናብ ኣሚር ቀጠር ዝልኣኽዎ ደብዳቤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ገና ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብዝምልከት ዘቕርብዎ ነጥብታት ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ብስቕታ ን8 ዓመታት ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ናብ መንግስቲ ጅቡቲ ድሕሪ ምርካቡ፣ እቲ ካብ 2010 ኣትሒዙ ብመንጎነት ቐጠር ዝተጀመረ’ሞ ግና ደስኪሉ ዝርከብ መስርሕ ሰላም እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ክበራበር’ዩ ትጽቢት ተነቢርሉ።

እንተኾነ ጅቡቲ ገና ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ምርዃታ’ያ ትሓትት ዘላ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ን8 ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ሓቢኡ ሒዝዎም ዝጸንሐ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከረክብ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ኣብቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተበገሰ ስምምዕ ሰላም እምነት ሃልይዎ ዘይኮነ፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ እገዳን፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት’ቲ ውድብ ከኣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንምኽሳሱ መርትዖታት ይእክብ ብምህላዉን ምዃኑ ይትንተን።

እቲ መንግስቲ ነቶም ኣብ ዶባት ኣዋፊርዎም ዝነበረ’ሞ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኹ 21 ኣባላት ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክሒድዎም ይርከብ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0