ሱዳንን ግብጽን ንህሉው ኩነታት ዝምድንአን ዝግምግም ኣኼባ  የካይዳ

ሱዳንን ግብጽን ንህሉው ኩነታት ዝምድንአን ዝግምግም ኣኼባ የካይዳ

Radio Erena: 25 May 2016

Bashir Sisi

ሱዳንን ግብጽን ንህሉ ኩነታት ዝምድንአን ዝግምግም ኣኼባ የካይዳ ኣለዋ።

እቲ25ን 26ን ግንቦት ዝካየድ ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚተ ግብጽን ሱዳንን፣ ብምክትል ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ዝምራሕ ኮይኑ፣ ብውሕዱ 29 ክኢላታት ናይ ዝተፈላለየ ዓውድታት’ውን ክሳተፍዎ ምዃኖም ጋዜጣ ኣል ሱዳኒ ሓቢራ።

እዚ ዝካየድ ኣኼባ፣ ነቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ርክብ’ውን ከም መዳለዊ ከገልግል’ዩ።

 

ግብጽን ሱዳንን ብጉዳያት ናይል፣ ዋንነት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓላይብ ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢ ዳንጋላ ብዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ’የን ዝርከባ።

ግብጺ፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ክገጥማ ዝክእል ናይ ወሓዚ ናይል ተጻብኦታት ምስ ሱዳን ስትራቴጅያዊ ዝምድና ብምፍጣር ንምፍሻሉ’ያ ትጽዕር።

ከም መበገሲ ናይዚ ከኣ ግብጺ ንሱዳን ኣብ ወትሃደራዊ፣ ሕርሻ፣ ህንጻን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ንምሕጋዛ ሓያሎ ፕሮጀክታት ናይ ምብጋስ መደብ ከምዘለዋ ይንገር።

ድሮ’ውን ብዛዕባ’ዚ ፕሮጀክታት እዚ ንምምይያጥ ሚኒስተር መጓዓዝያ፣ ህንጻን ጽርግያታትን ግብጺ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ኣብ ካርቱም ዑደት ብምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሱዳን ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ቻይና ንሱዳን ኣብ ሰለማዊ መዓላ ዝውዕል ናይ ኑክሌር ጸዓት ንኽትሃንጸላ መባእታዊ ስምምዕ ከምዝኸተማ ኣገልግሎት ዜና ቻይና- ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ብሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ ጸዓት ቻይና ኑር በክሪ ዝምራሕ ወክሊ መንግስቲ ቻይና ብ ካርቱም ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ኣኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0