መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከቲሞም

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከቲሞም

Radio Erena: 09 July 2018

Abiy and Issaias 2

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሓባራዊ ሰላምን ምዝሕዝነትን ከምዝኸተሙ ካብ ኣስመራ ዝተፈነወ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፣ ንሳቶም፣-ሃዋሁ ኵናት ክእለ፣ ኣብ ኩሉ ጽላታት ምትሕግጋዝ ክጅመር፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክቕጽል፣ ትግባረ ውሳነ ዶብ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምዕባለን ብሓባር ምስራሓን ዝብል’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትይጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ሰኑይ 9 ሓምለ ካብ ኣስመራ ተፋንዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0