ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚቱ

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚቱ

Radio Erena: 09 July 2019

Antonia Guterres

Radio Erena: 09 July 2019

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣሚቱ።

ሮይተርስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናብ መኣዲ ዘተ ሰላም  ምቕራባ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ከምዝኽእል እቲ ዋና ጸሓፊ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ዝኸተምሉ ዕለት ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሶማላውያን ጉጅለታት ይተሓባበር ኣሎ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊኡ ቀዳማይ እገዳ ከንብር እንከሎ፣ ምስ ጅቡትትቲ ብዝተፈጥረ ግጭት ተተሓሒዙ ድማ ኣብ 2011 ካልእ እገዳ ከምዘንበረሉ ኣይርሳዕን።

ምስ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኵናትን ምትፍናን ኣብዚ ቅነ’ዚ ብዝተኸፍተ መኣዲ ዘተ ሰላም ንምፍትሑ ተበግሶ ክውሰድ እንከሎ፣ ምስ ጅቡቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሰላምን ዕርቅን መንገዲ ግና ምስ ቀጠር ብዘጋጠመ ዲፕሎማስውዊ ጎንጺ፣ ኣብ መንጎ ደስኪሉ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ኤርትራ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ክትምለስ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣምባሳደር ማሕቡብ መዓሊም ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ ጸዊዑ።

ኤርትራ ካብ ኣባልነት እዚ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳብ፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ኡጋንዳን ዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ ስሒባ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዓመታት ክትምለስ እኳ እንተኸኣለት፣ ንጡፍ ተራ ኣይጸንሓን።

ኣቦ መንበር እቲ ዞባዊ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0