መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 05 July 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ምስ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ርክብ ኣካዪዶም።
ክልቲኦም መራሕቲ ብሰሉስ 5 ሓምለ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፣ ብሰላምዊ መንገዲ ብዘተ ክፈትሑ ከምዝተሰማምዑ፣ ተገሊጹ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ዘካየዱዎ ዘተ፣ እቲ ጉዳይ ዶብ፣ ሰላማዊ መዕረፊ ክርከቦ፣ ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም ናብ ዘተ ምስ ዝኣትዉ ከምዝኾነ ምስምሞዖም ገሊጹ።
ብወገን ሱዳን፣ ነዚ ዘተ ይኹን ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ብዝምልከት እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ግዜ፣ ዝኾነ መብርሂ ኣይኣበን።
ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኢጋድ ንምስታፍ ናብ ኬንያ ዘምርሑ መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ምኽኣሎም፣ ንሰላም ቅሩብነት ዘርኣዩ ይመስሉ ዝብል ትዕዝብታት ይወሃቦ ኣሎ።
ብዞባ ኣልፋሽጋ ናይ ‘ብጽሒተይ እዩ’ ሕቶ ዝተላዕለ ግጭት፣ ናብ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ብምስጋሩ፣ ነቲ ዞባ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ቅልውላው፣ ናብ ዘይውጻእ ዓዘቕቲ ከይሸሞ ብሓያሎ ወገናት ተሰጊኡ ይርከብ።

 

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0