ሰበስልጣን ኢራንን ሕቡራት ሃገራትን ብጉዳይ የመን ተዛትዮም

Radio Erena: 06 July 2022
ላዕለዎት ሰበስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፣ ብዛዕባ ጉዳይ የመን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተ ኣካዪዶም።
ኣብቲ ብሰሉስ 5 ሓምለ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግሩንድበርግ፣ ‘ኢራን ኣብ የመን ሰላም ክሰፍን፣ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ምስታፋ’ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ርክብ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓሊ ኣስጋሪ፣ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ቀዋሚ ዝኾነሉ መንገድታት የናድይ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኢራን፣ ሃናጺ ኣብ ዝኾነ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ እንተተዋፊራ፣ ህዝቢ የመን ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም፣ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።
ንመንግስቲ የመን ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ኣብ ስደት ከምዝሰፍር ብምግባር፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ዝተቖጻጸረ ሑቲ፣ ብኢራን ከምዝድገፍ እዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0