ሕ. ኢ. ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ ኣዋፊራ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 November 2016

UAE mirage

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ ኣዋፊራ ከምዘላ ካብ ኣየርባስ ዝተረኽበ ናይ ሳትላይት ኣሳእል ብምጥቃስ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ምክልኻልን ክሊ ኣየር ዓለምናን ዘድሃበ ናይ ሳትላይት ኣሳእል ከምዘነጽሮ፣ ካብ 20 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ትሽዓተ Mirage-2000 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ፣ ክልተ ሲኮርስክይ UH-60 Black Hawk ፣ ክልተ Bell 407 ዝዓይነተን ኣርባዕተ ሄሊክፕተራት፣ ሓንቲ ሎክሄድ ማርቲንC-130 Hercules ዝዓይነታ ናይ ወትሃደራዊ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ክልተ ድማ Bombardier Dash 8 turboprop ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ ዓሰብ ዓሊበን።

እዘን ኣብ ዓሰብ ዝመላለሳ ዘለዋ ወትሃደራውያን ነፈርቲ፣ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት ዝተዋፈራ ምዃነን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን ንእተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ንዓሰብ፣ ከም መናሃርያ ነፈርቲ ውግእን መራኽብን ትጥቐመሉ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብሑቲ ድሕሪ ዝወረዳ መጥቓዕቲ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሳሒባ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸግዐት ወትሃደራውያን ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ምርግጋጾም ይዝከር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዓሰብ፣ ወደብን መዓስከር ሓይሊ ኣየርን ናይ ምጽጋንን ምስፋሕን ስራሕ ተሰላስል ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ጥራይ ትግልገለሉ ከምዘላ ብወግዒ ዝተኣመነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣምሳያ ናይቲ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎታት ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተገብረሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ ምትሕብባር ምክያደን፣ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ ዝጥሕስ’ዩ ክትብል ተቖጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ገሊጻ ኣላ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0