ፕረዚደንት የመን ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 14 November 2016

Hadi

ፕረዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ፣ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብቀዳም 12 ሕዳር ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ብዛዕባ ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ሃገሩ ብዝምልከት ንኣባላት ፓርላማ ጅቡቲ መብርሂ ከምዝሃበ መርበብ ሓበሬታ ኣልዓረብያ ገሊጹ።

ዕላማ’ቲ ብምስጢር ተታሒዙ ዝጸንሐ ዑደት ፕረዚደንት የመን፣ ረዚደንት የመን ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ጅቡቲ ኣለዎ ንዝብሃል ንብረት ንምድስካሉ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዑል ዑመር ጉለ ንምዝርራብ ምዃኑ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ኣራብ ኒውስ ከኣ፣ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ባንክ ጅቡቲን ካልእ ወፍርታትን እታ ሃገር ንብረትን ገንዘብን ከምዘለዎ የመልክት።

ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ኣብ ጅቡቲ ካብ ዝርከብ ወፍርታቱ፣ ንተቓወምቲ የመን ይሕዝ ምህላዉ’ዩ መንግስቲ የመን ዝወቕስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0