ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ዝወጠነ 320 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ቅድመ- ኩነት ክገብረሉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ጸዊዑ

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ዝወጠነ 320 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ቅድመ- ኩነት ክገብረሉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ጸዊዑ

Radio Erena: 30 April 2015

EUisu

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ወጢኑ ዘሎ ኣስታት 320 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ቅድመ ኩነት ክገብረሉ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ጸዊዑ።

እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ፣ ኣብ መሰረታዊ ሓርነት ብፍላይ ከኣ ሓርነት ናይ ፕረስ ዘተኮረ ቅድመ-ኩነት ከቕርብ ተላብዩ።

 

ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ልምዓታዊ መደባት ናይ 320 ሚልዮን ኤውሮ ንኤርትራ ክስልዕ እንከሎ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ 2009 ተመሳሳሊ ሓገዝ ክነጻጸር እንከሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ሕብረት ነቲ ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ዜጋታቱ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ዝኽተሎ ኣካይዳ ክልውጥን መሰል ዜጋታቱ ከኽብርን ጸቕጢ ክገብር ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሓቱ ኣለዉ።

ወኪል መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ኤርትራ ናብ ዴሞክራሲ ጽገናዊ ለውጢ ከተተኣታቱ፣ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዘድልያ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ከምዝተነግሮ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መንግስታት ምስቶም ቀዳሞት ዝስራዕ ኮይኑ፣ ብመዳይ ናጽነት ፕረስ’ውን ኤርትራ ንተኸታታሊ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ትርከብ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0