ኣብ የመን ዒላምኡ ዝሰሓተ ሚሳይል 30 ስደተኛታት ቀቲሉ

ኣብ የመን ዒላምኡ ዝሰሓተ ሚሳይል 30 ስደተኛታት ቀቲሉ

Radio Erena: 30 April 2015

yemen

ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ዒላምኡ ዝሰሓተ ሚሳይል 30 ስደተኛታት ከምዝቐተለ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሓያሎ ካብቶም ዝተቐትሉ ስደተኛታት ቆልዑን ደቂንስትዮን ምዃኖም ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ካልኦት’ውን ብፎኵስን ከቢድን ቆሲሎም ከምዘለዉ ኣመልኪተን።

እቶም ግዳያት ዒላምኡ ዝሰሓተ ሚሳይል ኮይኖም ዘለው ስደተኛታት ብምሉኦም ዜጋታት ሶማል ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ደቡብባዊ የመን ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምህዳም ኣብ መካይን ተጻዒኖም ናብ ዓደን ዘምርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሚሳይል ከምዝተሃርሙ ዘረጋገጸ ቆንስል መንግስቲ ሶማል ኣብ የመን፣ እቲ ሚሳይል ካብ መን ከምዝተተኮሰ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ሓቢሩ።

 

ዜጋታት ሶማል፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ሓያሎ ክፋል የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ተቀርቒሮም ናብ ውሑስ ቦታ ክሰጋገሩ ሓገዝ ማሕበረ ሰብ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ብሕጂ’ውን ካልኦት ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ግዳይ እቲ ግጭት ንኸይኮኑ፣ ማሕበር ሰብ ዓለም ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ክቐላጠፍ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብ ሃገር ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ከኣ ኣስታት 5 ሽሕ ከምዝበጽሕ’ዩ ዝንገረሉ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0