ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ባጀት ደገፍ ምግባሩ ዝነቅፍ ሓድሽ ጸብጻብ ቀሪቡ

Radio Erena: 26 January 2020
ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ባጀት ደገፍ ምግባሩ ዝነቅፍ ሓድሽ ጸብጻብ ቀሪቡ።

ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዕለት 23 ጥሪ ኣብ ዝወዓሎ ኣኼባ፣ ሓያሎ ካብ ኣባላቱ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከስርሖ ዝውጥኖ ዘሎ መስመር ጽርጊያ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፣ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ራፖርተር ናይቲ ፓርላማ ሚሸል ሪቫሲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ፋይናንስያዊ ሓገስ እንተገይሩ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ግዱድ ዕስክርና ብቐጥታ ይሳተፍ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ክትብል ገሊጻ።

ሓያሎ ኣባላት’ቲ ፓርላማ ብወገኖም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝልግሶ ሓገዝ፣ ኣብ መጀመሪያ ዝገለጾ መጠን ገንዘብን ድሒሩ ዝተገልጸ ምስጢርን ናይ ኣስታት 60 ሚልዮን ዩሮ ፍልልይ ስለዘለዎ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎ እዩ ክብሉ ነቒፎም።

በዚ መሰረት ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ እኹል ወይ ከኣ ግሉጽ ሓበሬታ ስለዘይሃበ፣ እቲ ሓገዝ ደው ክብል ጸዊዖም።

ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብተወሳኺ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መንግስታዊ ትካላት ተመዲቦም ብዘይክፍሊት ይሰርሑ ምህላዎም፣ ብዓቢኡ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ ንምቁጽጻር ይጥቀመሎም ከምዘሎ እኹል መርትዖታት ዝቐረበሉ ስለዝኾነ፣ እዚ ማለት ከኣ ምስ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጻረር ግዱድ ዕስክርናን፣ ዘበናዊ ባርነትን የካዪድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ኢሉ።

ወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ ንምህናጽ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ተወሳኺ ናይ 95 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ክህብ ከምዝወሰነ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0