ስዊዘርላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ እትልግሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክትቅጽል እያ

Radio Erena: 26 January 2020
ስዊዘርላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ እትልግሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክትቅጽሎ ምዃና ተገሊጹ።

ፈደራላዊ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ንሞያዊ ስልጠና ዝውዕል ናይ ሰለስተ ዓመታት ፕሮጀክት ንምምዋል ናይ 6 ሚልዮን ስዊስ ፍራንክ ሓገዝ ክህብ ከምዝወሰነ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

ስዊዘርላንድ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ዝሕደስ ልምዓታዊ ፕሮጀክታት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ሞያዊ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ዘተኮረ ምትሕብባር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትገብር ምጽናሓ ይፍለጥ።

ፈደራል መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ በዚ በብእብረ ዝልግሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእምማን ዘለዎ ዝምድና ንምምስራት፣ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ፖለቲካዊ ርክብ ከካይድ መደባት ከምዘለዎ እዩ ዝሕበር።

ብመሰረት እዚ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ሓደ ኣካል ክቐውም፣ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ብዓቢኡ ከኣ ንኩነታት ኤርትራ ዝከታተል በዓልስልጣን ክመዝዝ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ውሳኔ ከምዝበጽሐ የመልክት።

ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብስዊዘርላንድ ዝተመወለ ሞያዊ ስልጠናታት መጽናዕቲ ዝገብር ጉጅለ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዘካየደ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ብወግነነን፣ እቲ ጉጅለ፣ ክሳብ ሕጂ በቲ ስልጠና ተረባሕቲ ዝኾኑ ልዕሊ 2 ሽሕ መንእሰያት እኳ እንተለዉ፣ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ግና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነን፣ እኹል ሓበሬታ ከምዘይረኸበን ገሊጸን።

እንተኾነ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ዘእትዎ ሓደ ኣማራጺ ነቲ ስልጠና ምቕጻል እዩ ኢሉ’ዩ ዝኣምን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነቲ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ፊት ንፊት ከይገጥማ ክብላ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ቁጠባዊን፣ ናይ ስራሕ ዕድል ዘይምርካብን’ዩ ብምባል፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክተሓባበራ ይረኣያ እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0