ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሱዳን ዝውዕል ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ

Radio Erena: 18 May 2023

ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ግጭት ናብ ስደት ንዘምርሑን ኣብ ሃገሮም ንዝተመዛበሉን ሱዳናውያንን ንምሕጋዝ ዝውዕል ናይ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበር ጸዊዖም።

ሓላፊ ህጹጽ ረድኤትን ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት፣ ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን ዝተኸተመ፡ ሲቪላውያን ዒላማ ናይ ዘይምግባር ውዕል፡ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻልን ሓገዝ ብውሑስ መንገዲ ንምብጻሕን ዝብል ስምምዕ፣ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ንምርዳእ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እጃሙ ክልግስ ተማሕጺኑ።

እቲ ናይ ሓገዝ ጻውዒት፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዝተመዛበሉ፣ ብሰንኪ`ቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝተሰዱን ናይ ማይ፡ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ጥዕናን ካልእ ቀረባትን ረዲኤት ንምምሃብ ዝዓለመ እዩ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን፡ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝተወልዐ ኵናት፣ ልዕሊ 700 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት የመልክት።
==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0