ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ንውሳነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ተጻጻሪ መልሲ ሂቡ

Radio Erena: 18 May 2023

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ንህወሓት ኣመልኪቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ ኣዋጅ ብዝምልከት ተጻራሪ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ብሰሉስ 16 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ህውሓት ሓይሊ መሰረት ኣብ ዝገበረ ናይ ግጭት ተግባር ተሳቲፉ ብምባል፡ ሕጋውነቱ ንኽስረዝ፡ ሓለፍቱ ብስም`ቲ ውድብ ከይንቀሳቐሱ፡ ናይቲ ውድብ ንብረት ምስ ዝህሉ ድማ ተጸብጺቡ ንመኽፈሊ ዕዳ ክውዕል፡ ካብኡ ዝተረፈ ንብረትን ገንዘብን ንመምሃሪ ትምህርቲ ስነ ዜጋን መረጽትን ንኽውዕል ኣብ 18 ጥሪ 2021 ምውሳኑ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ብምቕጻል፣ ህውሓት ኣብ 02 ሕዳር 2022 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፒሪቶርያ ውዕል ሰላም ከም ዝፈረመን፡ ብመሰረት ‘ቲ ውዕል፣ ሕቶታቱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርካብ ክቃለስ ብምውሳኑ፡ ‘ኣሸባሪ’ ዝብል ውሳነ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ተላዒሉ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምክፋል ወሳኒ ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ንተስፋ ሰላም ኢትዮጵያ ዘይድግፍ፡ ንፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝኾነ ህውሓት ፖለቲካዊ ውክልንኡ ዝሰረዘ፣ ፖለቲካውን ሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉ ውሳነ`ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዋና ኣልቦ ዝገብር፡ ንህውሓት ወኪሎም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ኣፍልጦ ብምንፋግ፡ ህልውና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ስምምዕ ሰላምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን’ዩ ኢሉ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኒካዊ ዝኾነ ርድኢት ብምምርኳስ፣ ነቲ ስምምዕ ሰላም ከይዕንቅፍ፡ ዝወሰዶ ተግባር ንኻልኦት ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ሰላማዊ ፖለቲካ ክሳተፉ ዝደልዩ ሓይልታት`ውን ሕማቕ ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል ብምትሕስሳብ፣ እቲ ቦርድ ውሳኔኡ መርሚሩ ምትዕርራይ ክገብረሉ ጸዊዑ።

ህውሓት፣ ድሕር`ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ድሕሪ ምስፋሩ፣ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋውነት ህውሓት ከም ዝሰረዘ ይዝከር።

ኣብ ትግራይ በይንኣዊ ክልላዊ ምርጫ ብምክያድ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምትፍናንን ኲናትን ዝተጸምደ ህወሓት፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ፖለቲካዊ ጉዕዙኡ ንምቕጻል’ዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ዝሓትት ወግዓዊ ደብዳበ ጽሒፉ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ሕጋውነት እቲ ውድብ ከም ዝተሰረዘ፡ ንብረቱን ገንዘቡን ክምለሰሉ ከም ዘይክእልን፡ ዘለዎ ዕድል ረቛሒታት እቲ ቦርድ ኣማሊኡ ደጊሙ ከም ብሓድሽ ክምዝገብን ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0