ሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ‘እዚ ኣፍሪቃ’ ኣብ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካዪዱ

Radio Erena: 01 September 2022

ሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ‘እዚ ኣፍሪቃ’ ኣብ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካዪዱ።

ጀነራል ማይክል ላንግሊ፣ ብሰኑይ 29 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ምዕባይ ሓገዝ ኣመሪካ ተመያዪጡ።

ምምሕዳር ባይደን፣ መንግስቲ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ንዝገብሮ ውግእ፣ ንምሕያል፣ ተወሳኺ ሓገዝ ከበርክት ከምዝኾነ እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ፣ ከባቢ ሸውዓተ ሽሕ ሰራዊት (ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብ ጂቡቲ) ኣዋፊራ ትርከብ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፣ ሰራዊቱ ካብ ሶማል ክስሕብ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ተራ ኣመሪካ ኣብ ሶማል፣ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን፣ ሓሓሊፉ ዝካየድ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕትን፣ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፣ ሰራዊት ኣመሪካ በብቁሩብ ናብ ሶማል ይምለስ ኣሎ ዝብሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ፣ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብ ዞባ ሂራን ናይ ሶማል፣ ምስ ኣልሸባብ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ምሉእ ድጋፍ ከምዝሃቡ ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0