ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ብወገን ሰሜን ትግራይ፤ ሓድሽ ግንባር ከፊቶም ክብሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም

Radio Erena: 02 September 2022

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ብወገን ሰሜን ትግራይ፤ ሓድሽ ግንባር ከፊቶም ክብሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም።

ወሃብ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፤ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ፤ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፤

ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብምውህሃድ፤ ብከባቢታት ኣድያቦ ከቢድ መጥቃዕቲ ከፊቶም ክብል’ዩ ከሲሱ።

እቲ ብሓሙስ ንግሆ ከምዝጀመረ ብህወሓት ዝተዋህበ መግለጺ ኩናት፤ ዛጊት ብሳልሳይ ኣካል ኣይተሓበረን ዘሎ።

ብካልእ ወገን እቲ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ዝጀመረ ኩናት፤ ንመነባብሮኦምን ህይወቶምን ኣስጋኢ ኮይኑ ከምዘሎ ኣብቲ ዶባት ዝነብሩ ሱዳናውያን ገሊጾም።

ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ከባቢታት ከተማ ሓምራ፤ ደቡባዊ ምዕራብ ኣልራውያን፤ ማይ ካድራ፤ ከምኡ’ውን ሰሜን ኣምሓራ ከባቢታት ዳንሻ፤ ከቢድ ኩናት ናብ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ተቐዪሩ ስለዘሎ፤ ብፍላይ ብክልቲኦም ወገናት ዝውንጨፍ ዘሎ ከቢድ ብረት፤ ኣብ ዶባት ንዝነብር ህዝቢ ሱዳን እውን ብከቢድ ጸልዩዎ ከምዘሎ ይግለጽ።

በልጅዩም ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ማእከል ቅልውላው፤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር፤ ብሰሜን ትግራይ ሓድሽ ግንባር እንተኸፊቶም፤ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኣምሓራ ዝእከብ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደሚርካ እንተርኢኻዮ፤ ንመላእ’ቲ ዞባ ናይ ኩናት ዞባ ክቕይሮ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፤ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝርከብ ህዝቢ፤ ካብ ደርቂ ሓሊፉ፤ ዓጸቦ ኣንጸላልዩዎ ኣሎ፤ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን’ዩ፤ ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ኩናት ተወሊዑ ዘሎ። ብምኽኒያት’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፤ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት፤ ኣብ ትግራይ ክገብርኦ ዝጸንሓ ንጥፈታት ደው ኣቢለን ኣለዋ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0