ሓይልታት ትግራይ ዓጢቖሞ ዝጸንሐ ከበድቲ ብረታት ኣረኪቦም

Radio Erena: 11 Januray 2023

ሓይልታት ትግራይ፣ ዓጢቖሞ ዝጸንሑ ከበድቲ ብረታት ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከቡ ክልቲኦም ወገናት ገሊጾም።

ኣብቲ ካብ 11 ጥሪ ጀሚሩ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ ስርዓት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ንትግብራ ዕጥቒ ምፍታሕ ዝከታተል፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ወትሃደራዊ ጉጅለ ተረኺቦም።

ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ ስርዓት፣ ብሓይልታት ትግራይ ክውነና ዝጸንሓ 10ታት ታንክታትን ብርክት ዝበለ መዳፍዓትን ናብ ኢድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ።

እዚ ብከብድቲ ብረታት ዝጀመረ ዕጥቒ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ 2 ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝያዳ ምትእምማን ክፈጥርን ንፖለቲካዊ ዘተ ምቹእ ሃዋሁ ከጣጥሕን ትጽቢት ይግብረሉ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ስምምዕ ካብ ዝኣተዎ መብጽዓታት ገና ዘይተተግበረ ከምዘሎ ዝወቕሱ ሰብ ስልጣን ትግራይ፣ ከም ቀዳማይ ነጥቢ ዘምጽእዎ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብታ ክልል’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ፈቲሖም ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ኣብ ዝሰጋገርሉ እዋን፣ ኤርትራ ትኹን ካልኦት ካብቲ ክልል ክወጽኡ ምዃኖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምግላጹ ይዝከር።

ስእሊ፦ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0