ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ዝቐረበ ኤርትራዊ፣ ‘መንነት ተጋጊኹም’ ብምባል ሞጕቱ

Radio Erena: 11 Januray 2023

ሓደ ካብ ዕሉላት ኣሰጋግርቲ ደቂ ሰብ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ፣ ብ ‘ወሊዲ’ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ጎይትኦም ተወልደ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ናብ ኔዘርላንድስ ድሕሪ ምስግጋሩ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ብ11 ጥሪ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ንሱ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዝዎል ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፣ ብኣኽባር ሕጊ ኔዘርላንድስ ተኸሲሱ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ጠበቕኡ፣ ‘መንነት ተጋጊኹም’ ክብል ስለዝሞጎተ፣ እቲ ቤት ፍርዲ መስርሕ ክቕጽል ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ።

ምጽራይ መንነት ክሳብ ዝካየደሉ ድማ መስርሕ እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ 6 ሚያዝያ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ኣኽባር ሕጊ ኔርዘላንድስ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ተወልደ ጉዳይ፣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሱዳን ብምትሕብባር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተታሕዘ፣ ኪዳነ ዘርካርያስ ዝተባህለ፣ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰብ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ካልእ ኤርትራውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኪዳነ፣ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምትሓዙ፣ብጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ተኸሲሱ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይጥቐስ።

ኪዳነን ተወልደን ዝተባህሉ እዞም ክልተ ጥርጡራት፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ምጭዋይ፣ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮን ካልእን ገበናትን ተኸሲሶም፣ ብኢንተርፖል ክህደኑ ዝጸንሑ’ዮም።

ወዲ 38 ዓመት ምዃኑ ዝተጠቐሰ ተወልደ፣ ኣብ 2014 ክሳብ 2020 ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዙ ን18 ዓመታት ክእሰር ተፊሪዱ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ግና ናብ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝርከብ ኪዳነ’ውን፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮዮጵያ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ለካቲት 2021 ካብ ማእሰርቲ ሃዲሙ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2023 ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ካርቱም ተታሒዙ።

ንነዊሕ ዓመታት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ክህደን ዝጸንሐ፣ ጆን ሃብተ ዝተባህለ ኤርትራዊ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኬንያ ተታሒዙ ናብ ኔዘርላንድስ ከምዝተሰጋገረ ጸብጻብ ኢንተርፖል የመልክት።

ኢጣልያን ብሪጣንያን፣ ምስ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ብስም’ቲ፣ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ምዃኑ ዝጥቀስ፣ መድሃኔ ይሕደጎ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ብጉጉይ መንነት፣ መድሃኔ ተስፋማርያም ንዝተባህለ ተራ ስደተኛ፣ ኣብ ግንቦት 2016፣ ካብ ካርቱም ኣሲሮም ናብ ሲቺልያ ከምዘሰጋገርዎ ኣይርሳዕን።

መድሃኔ ይሕደጎ፣ በቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ፣ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳን ካልእ ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ተኸሲሱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ካብ ዝህደኑ ዘለዉ ጥርጡራት’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0