‘ሓይልታት ትግራይ፣ ሒዞሞ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ክልል ዓፈር ጠቕሊሎም ወጺኦም።’

Radio Erena: 27 April 2022

ሓይልታት ትግራይ፣ ተቖጻጺሮሞ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ክልል ዓፈር ጠቕሊሎም ከምዝወጹ፣ ኣፈኛ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ብ25 ሚያዝያ፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊጹ።

እቶም ሓይልታት ካብ ክልል ዓፈር ምስሓቦም፣ ናብቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ዘሎ ህብዚ ትግራይ፣ ረዲኤት ብዘይዕንቕፋት ክበጽሕ ዘለዎ ተስፋ እቲ ኣፈኛ ገሊጽ።

ሰበ ስልጣን ክልል ዓፈር ብወገኖም፣ ሓይልታት ትግራይ ካብታ ካብ መቐለ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣባላ ከምዝሰሓቡ እኳ እንተረጋገጹ፣ ካብ ሰለስተ ከባቢታት ግና ከምዘይወጹ ኣቐዲሞም ክሕብሩ ጸኒሖም።

ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፈር፣ ብኣካል ከረጋግጽ ዘይክኣለ ሮይተርስ፣ ንኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወኪሱ ‘ውን ምላሽ ከምዘይተዋህቦ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኵናት ደው ኣቢለ ኣለኹ ካብ ዝበለሉ ኣስታት ሓደ ወርሒ፣ ዛጊት ረዲኤት ዝጸዓና 144 ዓበይቲ መካይን ጥራይ’ያን ናብ ትግራይ ኣትየን።

እዚ ድማ ምስቲ ኣስታት 90% ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባይ ረዲኤይ ኮይኑ ምህላዉ፣ እኹል ከምዘይኮነ ይጥቐስ።

ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ንዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ መዓልታዊ ረዲኤት ዝጸዓና ኣስታት 100 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘለወን ሕቡራት ሃገራት የተሓሳስብ።

ይኹን’ምበር፣ ናይ ቢሮክራሲ መስርሕን ውሑስ ኣይኮነን ብምባል ዝግብር ዘሎ ምዕጻው መንገዲን፣ እቲ ዘድሊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ብኣግኡ ክበጽሕ ከምዘይክኣለ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣገንዚቡ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0