ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ጂቡቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 28 April 2022

ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሮም ዝርከቡ ሰራዊታት ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ናይ ከቢድ ብረት ሓበራዊ ልምምድ ኣካይዶም።

እቲ ብ25 ሚያዝያ፣ ብኣሃዱታት ከቢድ ብረት ናይዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ልምምድ፣ ኣብ ጨመተን ጻዕቂ ደብዳብን ሞቶራይዝድን መካናይዝድን ዘተኮረ’ዩ።

ኣብቲ ልምምድ፣ ዘመናዊ ሞርታራት፣ ኣብ መካይን ዝተጻዕነን ዝሰሓብን ዝተፈላለየ ዓይነታት መዳፍዕን ካልእ ዓይነታት ከቢድ ብረት ዝዓጠቓ ኣሃዱታት ተሳቲፈን።

እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪረን ዘለዋ ኣመሪካን ፈረንሳን በብውልቀን ከካይድኦ ዝቐነያ ጽዑቕ ስልጠናታት’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣስታት 4500 ሰራዊት ኣብ ጂቡቲ ብቀዋምነት ከተዐስክር እንከላ፣ ፈረንሳ ድማ ልዕሊ 1500 ወትሃደራት ኣዋፊራ ትርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0