ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ 139 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝሓዘ በዓል መዚ ሃብቲ ዓሳ የመን ወቒሱ

Radio Erena: 21 September 2022

ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ዝነበሩ 139 የመናውያን፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ፣ በዓል መዚ ሃብቲ ዓሳ እታ ሃገር ወቒሱ።

እቶም 23 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብ ክሊ ማይ የመን ዓሳ እናገፈፉ ከምዝተታሑ’ዩ እቲ ኣብ ትሕት ሑቲ ዝመሓደር በዓል መዚ ገሊጹ።

እቶም ብ29 ነሓሰ ከምዝተታሕዙ ዝተገልጹ የመናውያን፣ ካብ ገማግም ሞካን ሖደይዳን ዝተበገሱ ምዃኖም ‘ዩ ተመልኪቱ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ንብረቶም ዘሚቱ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ምህላዉ፣ እቲ በዓል መዚ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ጥርዓን ምቕራቡ፣ መርበብ ዜና ኣኽባር ኣል የመን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዝኣተዉ’ዮም ዝበሎም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ከምዝሕዝን፣ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ኣጽኒሑ ድማ ከምዝፍንዎም ይግለጽ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምትሓዝን ምፍታሕን የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህብን’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0