‘ኤርትራ፣ ብሰፊሕ ግንባራት፣ ሓድሽ ዙርያ መጥቃዕቲ ከፊታ።’ ሓይልታት ትግራይ

Radio Erena: 20 September 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ውግእ፣ ብሰፊሕ ግንባርት ሓድሽ ዙርያ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብሉ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም።

ማእከላይ እዚ ሓትልታት ትግራይ፣ ብሰሉስ 20 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ከባቢታት ዛላምበሳ፣ ጾሮና፣ ራማ፣ ማይኹሕሊ፣ ዝባን ገደናን ዓዲ ‘ን ከቢድ ውግእ ይካየድ ምህላዉ ጠቒሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን’ውን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምውህሃድ፣ ብሓያሎ ከባቢታት ሓድሽ ዙርያ መጥቃዕታት ከፊቶም ምህላዎም እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ ‘ዚ ሓድሽ ዙርያ መጥቃዕቲ ይኹን ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ውግእ፣ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን በብወገኖ፣ ዓበይቲ ወትሃደራዊ ዓወታት ይጎናጸፉ ከምዘለዉ እኳ እንተገለጹ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0