ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ጀዛን መጥቃዕቲ ኣካዪዱ

Radio Erena: 23 February 2022

ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዝገበሩዎ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ብዉሑዱ 16 ሰባት ብከቢድን ፈኲስን ከምዝቖሰሉ፣ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሰንዓ ዝተበገሳ ምዃነን ዝገለጹ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ዒላምአን ኣብ ጀዛን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ንምዕናው ምንባሩ ገሊጾም።

መደበር ቴሌቪዥን ‘ኢኽባሪያ’ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ እቶም ኣብ ኤርፖርት ዝቖሰሉ ገያሾ፣ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖም ገሊጻ።

ሑቲ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ሳምንታት፣ እዚ ንካልኣይ እዋኑ እዩ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀዛን ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዝገብር ዘሎ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት የመን ኣብ ዝገበሮ መጥቃዕቲ፣ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ እትርከቦም ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ልፍንቲ መጥቃዕቲ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ከካዪዱ እንከለዉ፣ ናብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ዘተኮረ ብዘይምዃኑ፣ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ይጉዱኡ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ብሰኑይ 21 ለካቲት ጥራይ፣ ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ጓለንስተይቲ እትርከቦም 10 ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ምህላዎም ገሊጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0