ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ክገድፍ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 23 February 2022

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ስልጣኑ ብፍቓዱ ክገድፍ ጻውዒት ከምዝቐረበሉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረ ዳኒኤል ኣኮት፣ ምስ ጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፣ ‘ሳልቫ ኪር ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ክነሱ፣ ንህዝቡ ግና ዝጭበጥ ለውጢ ኣየምጸአን፣ ስለዚ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ክገድፍ ኣለዎ’ ኢሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ኩዎል ማንያንግ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ንደቡብ ሱዳን ናጽነታ ከም እትጎናጸፍ ጌርና ኢና፣ ብድሕሪኡ ግና ናጽነት ደሞክራስን ህንጸትን ናይ ምምጻእ ስልጣን፣ ንሓድሽ ወለዶ ክግደፍ ኣለዎ’ ኢሉ።

ክልቲኦም’ዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንምሕራር ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኮይኖም ተቓሊሶም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ሳልቫ ኪር ጥሮታ ወጺኡ፣ ውልቃዊ ህይወቱ ዝመርሓሉ እዋን’ዩ በጺሑ ዘሎ ብምባል ርእይቶኦም ሂቦም።

ናብ ስልጣን ክምለሱ ድሌት እንተለዎም፣ ብጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን ክልቲኦም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፣ ሳልቫ ኪር ንደቡብ ሱዳን ዘበርከተላ፣ ከም ቅርሲ ንወለዶታት ብጽቡቕ ክጥቀስ እዩ ድሌትና ብምባል፣ ስልጣን ናይ ምሓዝ መደብ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

ከም ኔልሰን ማንዴላ ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ፣ ምልክት ጅግንነት ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ፣ ንዝተወሰነ እዋን ጥራይ ኣብ ስልጣን ምጽንሖም ኢዩ፣ ዝብል ኩዎል ማንያንግ፣ ሳልቫ ኪር ካብዚ ንንየው ኣብ ስልጣን እንተጸኒሑ፣ ብሓይሊ ምውራዱ ስለዘይተርፍ፣ ክዋረድ ኣይደለናን’ ይብል።

ብብልሽውናን ካልእ ብሄር ዝሰረቱ ወገንነትን ዝኽሰስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጽባሕ ናጽነታ ናብ ዳግማይ ውግእ ሓድሕድ ከምእትኣቱ ገይሩዋ እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0