ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፤ ኣብ ኲናት ዝማረኾም 163 ኣባላት ሑቲ ክፈትሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 02 May 2022

ስዑዲ ዓረብ፤ ኣብ ኲናት የመን ዝማረኸቶም 163 ኣባላት ሑቲ ናጻ ከምእትሰዶም ኣፍሊጣ።

ወሃብ ቃል ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ጀነራል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ እቶም 163 ምሩኻት ኲናት፤ ንኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ክርከቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ንሱ ብተወሳኺ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፤ እቲ ምስ ሓይልታት ሑቲ ዝተበጽሐ ንክልተ ኣዋርሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፤ ዕዉት ክኸውን፤ መተኣማመኒ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ብመንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጀመረ ዘተ ሰላም የመን፤ ብተደጋጋሚ ብዘይፍረ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክበጽሕ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዕለት 2 ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከይፈሽል ልዑል ኣቓልቦ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ይገልጽ።

ሓደ ካብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዝሓገዞም ነጥብታት፤ ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት እዩ።

ኲናት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብን ሑቲ ናይ የመንን ኣብ 2015 ካብ ዝጅምር ምሩኻት ኲናት ካብ ዝኾኑ፤ ስዑዲ ዓረብ ን1400 ናጻ ክትሰድድ ክትሕተት እንከላ፤ ሑቲ ብወገኑ ማሪኹዎም ዘሎ፤ 16 ስዑዳውያንን ሰለስተ ሱዳናውያንን ዝርከብዎም 823 ወተሃደራት ናጻ ክገድፍ ይሕተት።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0