ቁጽሪ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ናብ 200 ክብ ኢሉ

Radio Erena: 02 May 2022

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ሱዳን ኣብ ዝተወለዐ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ቁጽሪ ናብ 200 ከምዝዓረገ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ሓቢሩ።

ካብቶም ዝተቐትሉ 9 ደቀንስትዮን 24 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከምዝርከብዎም ዝሓበረ ማሕበር ሓካይም፤ ኣቀታትላኦም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዞባ ክሪንክ ዝተወለዐ ጎነጽ፤ ብ22 ሚያዝያ ከምዝተበጋገሰን፤ ንክልተ መዓልታት ናብ ግጭት ዓድታት ከምዝዓረገን ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

ናይቶም ቆሲሎም ዝመጹ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ዝግለጽ ሆስፒታል’ቲ ዞባ፤95 ኣብ ርእሶም፤ ክልተ ኣብ ክሳዶም፤ 51 ኣብ ኣፍልቦም፤ 19 ከኣ ኣብ ከብዶም መጉዳእቲ ከምዝወረዶም ኣመልኪቱ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ እቲ ግጭት ብቕጽበት ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ከቋርጽን ጸዊዑ ኣሎ።

ዓለማዊ ማእከል ጥዕና ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ኣብቲ ዓሌታዊ ግጭት ክልተ ኣባላቱ ከምዝተቐትሉዎ ብምዝኽኻር፤ ብቕጽበት ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣብ ዝተወለዐ ቀቢላዊ ግጭት ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ዕጡቓት ምልሻ፤ ጸለምቲ ደቀባት ንዝነብሩለን ቁሸታት ብምንዳድ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝቐተሉን፤ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከምዘመዛበሉን ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0