ልዕሊ ሕደ ሽሕ ሓካይም እስራኤል፣ ንምስጓግ ስደተኛታት ዝቃውም ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ኣቕሪቦም

ልዕሊ ሕደ ሽሕ ሓካይም እስራኤል፣ ንምስጓግ ስደተኛታት ዝቃውም ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ኣቕሪቦም

Radio Erena: 02 February 2018

israel

ልዕሊ ሕደ ሽሕ ሓካይም እስራኤል፣ ንምስጓግ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ እስራኤል ዝቃውም ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ከምዘቕረቡ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቶም ሓካይም ክታሞም ብምንባር ኣብ ዘዳለውዎ ናይ ጥርዓን ደብዳቤ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ናይ ሞያ ሕክምና ፍቓድ ናይቲ ኣብ ናይ መስርሕ ምስጓግ ዝልዓለ ተራ ዝጻወት ዘሎ ብሞያ ሓኪም፣ ሓላፊ ክፍሊ ህዝብን ኢምግሬሽንን ፕሮፌሰር ሽሎሞ ሞር- ዮሴፍ ክስርዞ’ውን ሓቲቶም።

ንሳቶም ናይ ሕክምና ፍቓድ እቲ ዶክተር ክስረዝ ዝሓቱ ዘለዉ፣ ስደተኛታት ንምስጓግ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምስ ስነ-ምግባር ሞያ ሕክምና ዘይከይድ ስለዝኾነ ብምጥቃስ’ዮም።

“ስቕታና ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝፍጸም ዝኸበደ ገበናት ከም ምድጋፍ’ዩ ዝቑጸር፣” ዝበሉ እቶም ዶክተራት፣ መሰል ስደተኛታት ክሕሎን ስደተኛታት ሕቶ ዑቕብኦም ብግቡእ ክስማዕን ተማሕጺኖም።

ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ጉዳዩ ከይተሰምዐ ዝስጎግ ስደተኛ የለን ዝበለ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣርየ ደሪ፣ ንበቶም ሓካይም ንዝቀረበ ንምስጓግ ሓላፊ ክፍሊ ህዝብን ኢምግሬሽንን ዝምልከት ጥርዓን ከኣ ንቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝሓተቶ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ንዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ በስገዳድ ንምጥራዞም ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ንምእሳሮም ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፣ ሓካይም፣ ጠበቓታት፣ ኣብረርቲ ነፈርቲ፣ ምሁራትን ካልኦት ኣባላት ማሕበረ ሰብ እስራኤል ነቲ ውሳኔ ብምቃውም ጥርዓናት የቕርቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ነዚ ኣብ መንጎ መንግስታት እስራኤልን ርዋንዳን ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ደው ንምባሉ፣ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲታት ርዋንዳ ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክውድቡ ወይ ጥርዓናት ከቕርቡ ኣብ እስርኤል ዝርከቡ ወገናት ብተደጋጋሚ ይሓቱ።

ርዋንዳ፣ ብዘይድሌቶም ንዝስጎጉ ስደተኛታት ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት እኳ እንተገለጸት፣ እቲ ዝርርብ ይቕጽል ከምዘሎ ግና ሰበ ስልጣን ክልቲኦም መንግስታት የረጋግጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0