ኵናት ሓድሕድ ሰራዊት መንግስቲ የመን ይቕጽል፣ ብኢማራት ዝድገፉ ዕጡቓት ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ዓደን ይቆጻጸሩ

ኵናት ሓድሕድ ሰራዊት መንግስቲ የመን ይቕጽል፣ ብኢማራት ዝድገፉ ዕጡቓት ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ዓደን ይቆጻጸሩ

Radio Erena: 02 February 2018

yemen

ካብ ሰራዊት መግስቲ የመን ዝተፈንጨሉን ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉን ዕጡቓት ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ዓደን ከምዝተቖጻጸሩ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስቲ ሓቢሮሞ ዝጸንሑ ሰራዊት መንግስቲ ሓድሕዳዊ ግጭት ድሕሪ ምክያዶም፣ ኣብ ከተማ ዓደን ንዝርከብ ቤት መንግስቲ ከምዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ።

ኵናት ሓድሕድ የመን፣ ካብ ሑቲ ወጺኡ ኣብ መንጎ’ቶም ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉን ካልኦት ኣባላት ሰራዊት ይካየድ ከምዘሎ ዘሻቐላ ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ናይ ዓደን ኵናት ሓድሕድ ደው ንምባሉ ብላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዝምራሕ ፍሉይ ልኡኽ ኣዋፊራ ኣላ።

እቲ ንሃገራት ልፍንቲ ወሽመጥ ዓረብ ዝወከለ ልኡኽ፣ ንኹሎም እቶም ሓድሕዳዊ ኵናት ዘካይዱ ዘለዉ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ብምዝርራብ ቶዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምኽታም ዝዓለመ’ዩ።

ፕረዚደንት የመንን ቀዳማይ ሚኒስተሩን ኣቐዲሞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወልዐ ሓድሕዳዊ ኵናት ሰራዊት መንግስቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተጎሃሃረ ብምጥቃስ፣ ኢማራት ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ከምዝፈጸመት ምውቃሶም ይዝከር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0