ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕ.መ.ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካዪዱ እዮም

Radio Erena: 01 August 2021

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ረዲኤት ንዘድልዮ ህዝቢ ንምብጻሕን ብዛዕባ ዝከኣለሉ መንገዲ ንምዝታይ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናብታ ሃገር ዑደት ከካዪዱ እዮም።
እዚ ንሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝን፣ ሳማንታ ፓወር ካብ ዩ.ኤስ. ኤይድን ዘጠቓለለ ምብጻሕ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ 29 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካዪድ ዘሎ ማርቲን ግሪፊዝ፣ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ክራኸብ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ከኣ ዑደት ከካዪድ ትጽቢት ይግበረሉ።
ዕላማ’ቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝግበር ዑደት፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ብኣካል ንምዕዛብ ምዃኑ፣ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ኤሪ ካነኮ ገሊጻ።
ኣብ መፈለምታ ናይዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ከዚኑዎ ዘሎ እኽሊ ረዲኤት ክሳብ ዓርቢ 30 ሓምለ ጥራይ ከምዘጽንሖ ምሕባሩ ይዝከር።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ እዮም ብምባል፣ ንመግለጺ WFP ነጺጉዎ እዩ።
ሰንበት 31 ሓምለ ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝጅምር ወኪል ዩ.ኤስ.ኤይድ ብወገኑ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ገደብ ዘይብሉ መስመራት ረዲኤት ክኸፍት ጸቕጢ ክገብር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ሰራሕተኛታት ረዲኤት ካብ ሳተላይት ቴሌፎን ጀሚሩ፣ ኩሉ መራኸቢ መሳርሒታት ክፍቀደሎም፣ ከምኡ’ውን ተፍትሽን ምትእጉጓልን ተሪፉ፣ ንሰራሕተኛታት ምሉእ ውሕስነት ዝህብ ሓለዋ ክግበር እውን ኣካል ጠለብ ዩ.ኤስ.ኤይድ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን’ዚ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ናይ ወጻኢ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0