ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝምልከት ንሰበስልጣን ሱዳን መግለጺ ሂባ

Radio Erena: 01 August 2021

ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝምልከት ንሰበስልጣን ሱዳን መግለጺ ሂባ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ ብሓሙስ 29 ሓምለ ናብ ኻርቱም ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺቦም።
ኣብቲ ርክብ፣ ኤርትራ ብዝተሓተተቶ መሰረት ናይ ቃል ምላሽ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሂባ።
ዓብደላ ሓምዶክ፣ እዋናዊ ኣቦ ወንበር በይናዊ በዓልስልጣን ንምዕባለ ወይ ኢጋድ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ኣባል ሃገራት ኢጋድን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ከመሓላልፎ ኣብ ዝቐነየ መልእኽታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍን ሰላማዊን ፍታሕ ንምምጻእ ጻዕርታት ክግበር ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።
እንተኾነ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ትሕዝቶ’ቲ ርክብ ኣየነጸረን።
ሱዳን፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ምስሕሓብ ካብ ዝተፈጥረሉ እዋን ኣትሒዛ ንሽምግልና ኢዳ ከምዝዘርገሐት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ከይተእቱ መጠንቀቕታ ከምዝሃበን፣ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብተወሳኺ ይገልጽ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0