ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ

Radio Erena: 27 December 2022

ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ።

እቲ ብኣፈኛ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ዝመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ፣ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስተራት ዕዮ፣ ፍትሒ፣ ከምኡ’ውን መጎዓዝያን መራኸቢታትን ዝሓቖፈ ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኲናት ካብ ዝጅምር፣ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ዓመታት፣ ምብጻሕ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ናብ ትግራይ፣ እዚ ናይ ፈለማ እዋን እዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጉጅለ ልኡኽ፣ ኣብ ዘተ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተኸተሙ ስምምዓት ተግባራዊ ዝኾኑሉ መንገድታት ንምንዳይ ምዃኑ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ተግባራውነት እቲ ስምምዕ እተሳልጥን እትከታተልን ኮሚቴ ካብ ክልቲኦም ወገናት ቆይማ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክትምእከል ምዃና ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

ብፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ጉጅለ ኣውሓስቲ ሰላም እውን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ናብ ከተማ መቐለ ክኣቱ ትጽቢት ይግበረሉ።

ምብጻሕ ናይዚ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ናብ መቐለ፣ ምልክት ቅሩብነት ንሰላም እዩ ዝብል ርእይቶታት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ይቐርብ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0