ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሱዳንን ኣብ ህሉው ኩነታት ስደተኛታት ዘትዮም

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሱዳንን ኣብ ህሉው ኩነታት ስደተኛታት ዘትዮም

Radio Erena: 20 May 2015

HUmantra

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ገዳርፍ ንዘጋጥም ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምሕጋዝ፣ ንመንግስቲ ሱዳን መካይንን ሞተር ሳይክልን ሂቡ።

እተን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ተለጊሰን ዘለዋ 3 ላንድኩሩዘ ዝዓይነተን መካይንን 7 ሞቶር ሳይክልን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣብ ምህዳን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ከገልግላ’የን።

 

ኣመሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ ኣል ዳው መሓመድ ኣብቲ ብ14 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርኽካብ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ነቲ 260 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ምብራቕ ሱዳን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዚ ተበርኪቱ ዘሎ ሓገዝ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምቁጽጻር ከሳልጥ ከምዝኽእል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት( UNHCR) ን ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ስደተኛታት ንምግታእ ንመብግስቲ ሱዳን ዝተፈላለየ ሓገዛት ከበርክትሉ እኳ እንተጸንሑ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዛጊት ደ ክብል ኣይከኣለን።

ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታት ብፍላይ ሸገረብ፣ ንስደተኛታት ዘይውሑስ ብምዃኑ፣ ኣብቲ መዓስከር አትዓቝቦም ዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት ግዳያት ክኾኑ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዚ ኣብ ውሽጢ መሬቱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ደው ንምባል ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝኽሰስሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከምዘቖም ምጥቃሱ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ገበነኛታት ኮይኖም ንዝተረኽቡ ክሳብ 20 ዓመት ክእሰሩ ምዃኖም እኳ እንተሓበረ፣ ሓይሎ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ሱዳን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኢድ ስለዘለዎም፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይኹን ምጭዋይን ምሻጥን ደቂ ሰብ ደው ክብል ኣይከኣለን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዛዕባ ኩነታት’ቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ንምዝታይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን መንግስቲ ሱዳንን ዋዕላ ኣካይዶም።

እቲ ካብ 13 ክሳብ 14 ግንቦት ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ነቶም ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 45 ሽሕ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ዝምዝገብሉ መንገዲ ንምንዳይ ዝዓለም’ዩ።

በብእዋኑ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኣስታት 300 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እንተኾነ ካብ 30 ክሳብ 45 ሽሕ ዝግመቱ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከይኣተዉ ናብ ካርቱም ብምምራሕ ኣብታ ከተማ ይቕመጡ ምህላዎም ይግለጽ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ኣብ ካርቱም ዝቕመጡ ስደተኛታት፣ ዳግመ ምዝገባ ብምክያድ ጉዳዮም ከጻሪ ከምዝደሊ’ዩ ዝጠቕስ።

===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0