ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኬንያ ጥሒሱ ክብል ደይሊ ኔሽን ሓቢሩ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኬንያ ጥሒሱ ክብል ደይሊ ኔሽን ሓቢሩ

Radio Erena: 20 May 2015

eth

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶባ ኬንያ ብምጥሓስ ኣብ ሰሜናዊ ሆር ንእትርከብ ‘ኢለረት’ ዝተባህለት መደበር ፖሊስ ተቖጻጺሩ ክብል ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ደይሊ ኔሽን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸዓና 10 መካይን ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምእታወን፣ እቶም ጠበናጁን ካልእ ኣጽዋርን ዝዓጠቑ ሰራዊት ነቲ ናይ ፖሊስ ነቑጣ ብምቁጽጻር ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልከተ ዶብ ኣብ ምስኣል ተዋፊሮም።

እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተቖጻጺርዎ ዝተባህለ ከባቢ ካብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት 16 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኬንያ ‘ዩ ዝርከብ።

 

ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ቶም ኢዴሮ ንደይሊ ኔሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ቦታ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ጥራይ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፣ ካብ መንግስቲ ተወሳኺ ሓይሊ ክልኣኸሎም ከምዝሓተቱ ኣመልኪቱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ጆሴፍ ቡዋነት ካብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ብወገኑ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብቲ ከባቢ ዝኣተወሉ ዕላማ ንጹር ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ኮለነል ዳቪድ ኦቦንዮ በንጻሩ፣ ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

እቲ ኣፈኛ፣ ኢትዮጵያ ናይ ቀደም መሓዛ ኬንያ ምዃና ብምዝኽኻር፣ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ይፍጽሙ’ዮም ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ኣስሚርሉ።

ማዕከን ዜና ደይሊ ኔሽን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ክትጥሕስ እዚ ንሳልሳይ ግዜኣ’ዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዶብ ድሕሪ ምምልካቱ፣ ወከልቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኬንያን ዝሓለፈ ሰሙን ዑደት ከምዘካየዱን’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ዝቀረበ ክሲ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበሉን።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሰንኪ ናይ ሕርሻ መሬትን መግሃጫን፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት ዶባት ብንጹር ክምልከት ከምዝወሰኑ’ዩ ዝግለጽ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0