ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 19 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ነፈርቲ ውግእ ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ካብ ፈረንሳ ክትሽምት’ያ

Radio Erena: 06 December 2021

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 19 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ካብ ፈረንሳ ንምሽማት ስምምዕ ከቲማ።

እቲ ኣብ መንጎ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኢማራትን፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኢል ማክሮንን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ መሸጣ ራፋል ዝዓይነተን 80 ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኤሊዘ -ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ስምምዕ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ኤክስፖ 2020 ከምዝተኸተመ ብምጥቃስ፣ ኣብ ታሪኽ መሸጣ ኣጽዋር ፈረንሳ፣ ኣብ ሓደ እዋን ንመሸጣ ዝተኣትወ ውዕል እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ውዕል፣ ንትካላት መፍረ ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳ፣ ዓቢ ብስራት’ዩ ክብል ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጽዎ።

ፈረንሳ፣ ነታ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብምትእትታው ህልቂት ሰለማውያን ሰባት እትፍጽም ዘላን ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘይትኽተልን ኢማራት፣ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎ ኣጽዋር ክትሸጠላ ምስምማዓ፣ ምስ ዓመጽ ምውጋን’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብወገኖም ይቃወሙ።

ፈረንሳ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ምስ ግብጺን ህንዲን’ውን መራኽብ ኵናት፣ ነፈርቲ ውግእን ካልእ ወትሃደራዊ ንዋትን ንምሻጥ ናይ ቢልዮናት ውዕላት ከቲማ ከምዘላ ይፍለጥ።

ምስ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ዘተኮረ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከቲማ እኳ እንተነበረት፣ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ነቲ ውዕል ከምዘደስከለቶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካን ሩስያን ብመሸጣ ኣጽዋር ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ክስርዓ እንከለዋ፣ ፈረንሳ ድማ ነዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ’ያ ትስራዕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ 19 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ኣጽዋር ስምምዕ ዝኸተመ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምምራሕ፣ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዘተኮረ ውዕላትን መዘክርታን ምኽታሙ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0