ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ናጽነት ዝጠለብ ርእሰ ውሳኔ ምብራቕ ሱዳን ክእውጅ ምዃኑ ኣጠንቒቑ

Radio Erena: 11 August 2022

ናዚሪ፣ ሰይድ ኣል ኣሚን ጣሪቕ፣ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃ

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከተግብሮ እንተዘይጀሚሩ፣ ብናዚሪ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ርእሰ ውሳኔ እቲ ዞባ ክእውጅ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

መራሕቲ ናይቲ ባይቶ ወይ ናዚሪ፣ ሰይድ ኣል ኣሚን ጣሪቕ፣ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃ፣ ካብቲ ኣካል ናይ 2020 ስምምዕ ጁባ ዝኾነ ውዕል ምብራቕ ሱዳን ከምዝሰሓበ ኣብ 28 ሓምለ ኣብ ከሰላ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ’ዩ።

ናዚር ቤጃን ላዕለዋይ ወኪል ሃደንደዋን ዝኾነ፣ ሰይድ ጣሪቕ፣ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን ካርቱምን ወከልቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ከተማ ሲንካት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ሓዲዱ ስሒቱ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንምትግባሩ ተበግሶ ክወስድ ጸዊዑ።

እንተዘይኮይኑ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ንናጽነት ምብራቕ ሱዳን ዝጠለብ ኣዋጅ ርእሰ ውሳኔ ከመሓላለፍ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብሄራት ዝኾነ ቤጃ፣ ርእሰ ውሳኔ እቲ ዞባ ክእውጅ ምዃኑ ዘጥንቀቐ፣ ቅድሚ’ቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታቱ ንዘለዎም ምስሕሓብ ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ ከካይድዎ ዝተመደበ ዋዕላ’ዩ ኔሩ።

ናዚር ቤጃ ዝርከቦም ሓያሎ ፖለቲከኛታት፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከዎም ኣማኢት ሰባት፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወደበ ዋዕላ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ንምስታፍ፣ ብ4 ነሓሰ ዶብ ኣብ ዝሰግርሉ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከምዝተዓግቱ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ንጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ኣመልኪቱ ብኤርትራ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ከምዘይቅበሎን ከምዘይሳተፍን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣነጺሩ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0