ኢትዮጵያ፣ ናብ ሶማል ተወሳኺ ሰራዊት ኣዋፊራ

Radio Erena: 11 August 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝገጥማ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንምክልኻል፣ ናብ ሶማል ዞባ ጌዶ ተወሳኺ ሰራዊት ከምዝልኣኸት ተሓቢሩ።

እቲ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝሑ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ፣ ዓሊ ዓብደላ ዮሱፍ፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብዝሒ ናይቲ ዶብ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከታም ዶሎው ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስታት 2 ሽሕ ከምዝበጽሕ ጠቒሱ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ጸጥታ ዶባት ብዝምልከት ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ዞባ ንምምይያጥ ናብ ጌዶ ከምዝኣተዉ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣልሸባብ ዶባት ኢትዮጵያ እናጠሓሰ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድ ይርአ ስለዘሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስና ከባቢታት፣ ናብ ውሽጢ መሬት ሶማል ዝኣተወ ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውም ከምእትደሊ’ያ ተመልክት።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ጌዶ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣካል ናይቲ ምቛም ናይ ጸጥታ ዞባ ድዩ ኣይኮነን ኣይተነጸረን።

ኣልሸባብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ሓይሉ ይኣኻኽብ ከምዘሎ ኣብ ዝግለዘሉ ዘሎ እዋን፣ ዞባታት ሒራን፣ ባኮልን ጌዶን ኣብ ሓደጋ ወዲቐን ምህላወን ዓሊ ዓብደላ ዮሱፍ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ኣልሸባብን ኣብ ዝተኻየደ ብውሕዱ 3 ግጭታት፣ ካብ ክልቲኦም ወገና ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0