ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ብዛዕባ ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ዝያሀብቶ መግለጺ፣ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ገጢምዋ

ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ብዛዕባ ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ዝያሀብቶ መግለጺ፣ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ገጢምዋ

Radio Erena: 20 April 2015

wendy

ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ዌንዲ ሸርማን ብዛዕባ ደሞክርሳዊ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ንዝሃበቶ ርእይቶ፣ ካብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ገጢሙዋ።

እታ ላዕለወይቲ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ደሞክራሲ ትግስግስ ምህላዋ ብምጥቓስ፣ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝምረጽ መንግስቲ ብጎነጽ ክኣልዩ ዝፍትን ዝኾነ ሓይሊ ድማ ኣመሪካ ከምእትቃወሞ’ያ ገሊጻ።

 

ንሳ ብፍላይ ነቲ ብዶክተር ብርሃኑን ነጋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌን ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ – ግንቦት ሸውዓተን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን፣ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተመርጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ክኣልዩ ከይፍትኑ’ያ ኣጠንቂቓ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንደሞክራስን ሰብኣዊ ምሰላትን ዝጣበቕ ትካል ፍሪደም ሃውስ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራስዊ ከምዘየለን በንጻሩ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንኣመሪካ ከተሓሳስባ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፣ ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እመሪካ ዌንዲ ሸርማን ንዝሃበቶ ርእይቶ ተቓዊምዎ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን’ውን ንመግለጺ እታ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኮኒኖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ‘ዲጋ ተሃድሶ’ መጥቃዕቲ ከካይዱ ወጢኖም ንዝበሎም 11 ኢትዮጵያን ኣብ ነፍሲ ወከፎም ካብ 12 ክሳብ 13 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝወሰነ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ሓሬና ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብመንግስቲ ኤርትራ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸሰሶም 11 ተወላዶ ደቡብ ኢትዮጵያን፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ጋምቤላ ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ውድብ ምዃኖም’ዩ ጠቒሱ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0