ሊብያ፣ ዳዒሽ ናይ ዝቐተሎም 34 ኢትዮጵያውያን ጋህሲ ተረኺቡ

ሊብያ፣ ዳዒሽ ናይ ዝቐተሎም 34 ኢትዮጵያውያን ጋህሲ ተረኺቡ

Radio Erena: 27 December 2018

daeshvictimsዳዒሽ ኣብ 2015 ብሰካሕክሕ ኣገባብ ናይ ዝቐተሎም 34 ኢትዮጵያውያን ጋህሲ ተረኺቡ ክብል መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጋህሲ ክርከብ ዝኸኣለ ሓደ ኣባል እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ነበር ድሕሪ ዝተኻየደሉ መርመራ ብዝሃቦ ሓበሬታ ምዃኑ ክፍሊ መርመራ ገበን እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ዓስከሬን ምጽራይ ምስ ተገብረሉ ናብ ኢትዮጵያ ክፋኖ ምዃኑ’ውን እቲ ክፍሊ ሓቢሩ።

ዳዒሽ ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ብምዃኖም ጥራይ ብኻራ ብምሕራድን ብምርሻንን ዝቐተሎም 10ታት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ሓያሎ ካብቶም ብስም ኢትይጵያውያን ኣመንቲ ክርስትና፣ ዳዒሽ ዝቐተሎም ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናይ ዝቐተሎም ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ግብጻውያን ሬሳ’ውን ንሓያሎ ኣዋርሕ ናይ ዲኤንኤ መርመራን ምጽራይን ድሕሪ ምክያድ ኣብ ግንቦት 2018 ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎ ይዝከር።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0