መንግስቲ ሶማል፣ ብሽበራ 26 ሰባት ንዝቐተለ ኣባል ኣልሸባብ ኣብ ድሮ ልደት ብሞት ቀጺዕዎ

መንግስቲ ሶማል፣ ብሽበራ 26 ሰባት ንዝቐተለ ኣባል ኣልሸባብ ኣብ ድሮ ልደት ብሞት ቀጺዕዎ

Radio Erena: 27 December 2018

somali_bomberመንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ 26 ሰባት ዝቐተለ’ዩ ንዝበሎ ኣባል ኣልሸባብ ብሞት ከምዝቀጽዐ፣ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓብደልቓድር ኣቡበከር ዝተባህለ ሶማላዊ፣ ኣብ 2017 ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ክልተ ከባቢታት፣ ነታጕ ዝተጻወደን መኪና ብምፍንጃር፣ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ብምግባር’ዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ።

ብኹሉ’ቲ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ብሰኑይ 24 ታሕሳስ ኣብ ድሮ ልደት ተረሺኑ።

መንግስቲ ሶማል፣ ብሽበራ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ዘጥፍኡ ኣባላት ኣልሸባብ ብሞት ክቐጽዕ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ፣ እዚ ካልኣይ’ዩ።

 

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0