ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ኩሉ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስታት ንእሱራት ቆላሕታ ክግበረሎም ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

Radio Erena: 27 March 2020

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ምትእኽኻብ ህዝቢ ኣብ ዝውገደሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስታት ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ እሱራት ቆላሕታ ክገብርሎም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባሸለ ጸዊዓ።

ንሳ ብ25 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን ስደተኛታት ዝተሓዝሉ መዳጎኒ መዓስከራትን ከምዝተራእየ ብምዝኽኻር፣ እሱራት ግዳያት እዚ ሕማም ከይኮኑ መንግስታት ልዑል ጥንቃቐ ክገብርሎም ተላብያ።

ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም ንምግታእ ሓያሎ ሃገራት እሱራት ብምሕረትን ብዋሕስን ክፈትሓ እንከለዋ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፣ ኣብ ሃንገራትን ኮንተርነራትን ህዝቢ ብእኩብ ዝኣስራ ሃገራት ግና ዝኾነ ግብረ መልሲ ኣይሃባሉን።

ኢትዮጵያ፣ ኮረና ቫይረስ ከይጥቅዑ ብምስጋእ ኣስታት 4 ሽሕ እሱራት ብምሕረት ካብ ዝፈትሐ ቀዳማት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን ወትሃደራዊ ተሃድሶታትን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ብሕማም ዓባይ ሰዓል፣ ዌልካም ዝብሃል ዓንተን ሰዓል፣ ኒሞንያን ካልእን እናተሳቐዩ ግቡእ ሕክምናዊ መርመራታት ከምዘይግበረሎም በብእዋኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኤርትራ ኮረ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ዛጊት ኣርባዕተ ጥራይ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ሕማም ብዘገምታ ቀስ እናበለ ዘስፋሕፍሕ ምስምዃኑ፣ መንግስቲ ንምግትኡ ቅልጡፍ ስጉምታት ይወስድ ከምዘየለ’ዩ ዝውቀስ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ’ቲ ብመዓርፎ ነፈርቲ ዝኣትዉ ኣርባዕተ ሰባት ኮረናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ምርግጋጹ፣ እቲ መንግስቲ ካብን ናብን ኤርትራ ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ 26 መጋቢት ደው ከምዘበሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኮሮና ቫይረስ ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክርአ እንከሎ፣ መብዛሕቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኤስያን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ድማ ምስቲ ለበዳ ብዝተሓሓዝ ህይወቶም ስኢኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0