ኤርትራ፣ ምስ ስግኣት ክሮና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ዋጋታት ሃለኽቲ መዓልታዊ ዘንሃራ ኣስታት 80 ትካላት ተቐጺዐን

Radio Erena: 27 March 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ስግኣት ኮርና ቫይረስ ተተሓሓዙ፣ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ብዕጽፍታት ክዛየድ ምጅማሩ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ከም ኣእካል፣ ሽኮር፣ ፓስታን፣ ዘይትን ዝኣመሰለ መግብታት ኣብ ዕዳጋታት ክሰኣን ምጅማሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ኣቐዲሙ ዝሸመቶ ኣእካል ንምጥሓን ሸበድበድ ክብል ይርአ ምህላዉ ጠቒሶም።

መንግስቲ ብወገኑ፣ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ካብቲ ዝተመደበሉ መጠን ኣኽቢሮም ዝሸጡ ይኹኑ፣ እንሃለዎም ናብ ዕዳጋ ከይቀርብ ዝሓብኡ ነጋዶ፣ ናይ ገዛ መቕጻዕትን ምስራዝ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዋኒን ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ የጠንቅቕ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብዚ 10 መዓልታት ተራእዩ ምስ ዘሎ ሸበድበድ ዕዳጋ ተተሓሒዙ፣ ዛጊት ካብ 70 ክሳብ 80 ዝኾና ትካላት ንግዲ ከምዝቐጽዐ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ናይ 26 መጋቢት ዜንኡ ገሊጹ’ዩ።

እተን ትካላት፣ ካብ 3 ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ካብ ናይ ገንዘብ ክሳብ ምዕሻግ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዝበየነለን እቲ ናይ መንግስቲ ማዕከን ዜና ኣነጺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0