‘ህወሓት፣ ኣብ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውክልዎ ሰባት መሪጹ’

Radio Erena: 20 July 2022

ህዝባዊ ወያነ ሓርንነት ትግራይ፣ ኣብ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮዮጵያ ዝውክልዎ ሰባት ከምዝመረጸ፣ ንኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

ዝርዝር ስማት ናይቶም ኣብቲ ዝርርብ ንህወሓት ብምውካል ዝሳተፉ ሰባት ኣይተፈልጠን።

እቲ ዝርርብ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይኮነ ብፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሪ ኬንያታ ከምዝምራሕ’ዩ ተገሊጹ።

ህወሓት ንጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኣብቲ ዝርርብ ከምዘየእትዎ ኣቶ ጌታቸው ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ፣ ኣብቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዝርርብ ክውክልዎ ከምዝመረጾም ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝርርብ ክጅመር ምዃኑ ብክልቲኦም ወገናት ተረጋጊጹ እኳ እንተሎ፣ መዓስን ኣበይን ከምዝኸውን ኣይተነጸረን።

ህወሓት፣ ኣብ ዘተ ሰለም ይኹን ዝካየድ ዝርርባት፣ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ዝበሎም ሓሙሽተ ነጥብታት፣- ረፈረንዱም ህዝቢ ትግራይ፣ ሉኣላውነት ግዝኣት ትግራይ፣ ህላወ ሰራዊት ትግራይ፣ ብገበናት ምጽናት ዓሌት ዝኽሰሱ ናብ ፍርዲ ምቕራብን፣ ጉዳይ ካሕሳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምዝርዛሩ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0