ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝወጠነ ዑደት ከምዝተሰረዘ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 July 2022

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ከካይዶ ዝቐነየ ዑደት፣ ናብ ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ዝወጠኖ መደብ ከምዝተሰረዘ መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።

ናይ ጎረባብቲ ዑደቱ ብኤርትራ ዝፈለመ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ቀጺሉ ናብ ኬንያን ጂቡቲን’ዩ ኣምሪሑ።

ኣብ 18 ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ ሆርሰድ ሜድያ ዝተባህለ መርበብ ሶማል ሓቢሩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ናብ ካልእ እዋን ከምዘሰጋገሮ እቲ መርበብ ድሒሩ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ናብ ካልእ እዋን ከምዘሰጋገሮ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረቦ ጠለብ’ዩ።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ 9 ሰነ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ምምራቕ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ሓሰን ካብ ዝተረኽቡ መራሕቲ ጎገራት ሃገራት ‘ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0