ህልኽ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ይቕጽል

RADIO ERENA:- Monday, 26 February 2024

ኣይሁዳውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ምስ በሉ ዝተዋህቦም ስም እንተኔሩ ዲያስፖራ ዝብል እዩ::

ቀጺሉ እቲ ዲያስፖራ ዝብል ስም ንዝተበታተነ ፈሊሱ ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝቢ ዝወሃብ ኮይኑ ርዒሙ::

ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ዓለም ኤርትራውያን ዲያስፖራ ሓደ ካብቶም ቀልጢፎም ዝልለዩ እናኾኑ ካብ ዝመጹ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ:: ሕጂ ድማ ኣብ መንጎኦም ብዝፍጠር ዘሎ ግጭታት ዝያዳ ኣቃልቦ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን ይረኽቡ ኣለዉ::

ኤርትራውያን ዲያስጶራ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራትን ከተማታትን ሓያሎ ብማሕበረኮማት ዝጥርነፍ ኮይኑ እዘን ማሕበረኮማት ብኢድ መንግስቲ ኤርትራ ዝዝወራን ካብ ጓይላ ምግባርን ሬሳ ናብ ዓዲ ምስዳድን ሓሊፈን ብዙሕ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣይረኣየለንን እዩ::

ሃገራዊ ብዓላት ኣብ ዝመጸሉ ብመልክዕ ፌስቲቫል ዳርጋ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ዝቕመጡለን ሃገራት ብስም ኤርትራውያን ጓይላ ክካየድ ጸኒሑ::

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ግን ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ነቲ ብስም ኤርትራውያንን ማሕበረኮማትን ዝግበር ፌስቲቫላት ህግደፍ ንምፍራስ ብዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ግጭታት ይካየድ ኣሎ::

ነዚ ግጭታት ንምህዳእ ዝተወስደ ዝኾነ ድጉምቲ የለን: ብኣንጻሩ ደገፍቲ ህግደፍ ዝያዳ ጓይላታት ኣብ ምክያድ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ድማ እግሪ እግሮም ኣብ ምኻድ ተጸሚዶም ናብ ዲቕ ዝበለ ህልኽ ተሸሚሞም ይርከቡ::

ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘ-ሄግ ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭትን ምቅጻል መካይንን ገለ መራሕቲ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ግጭትን ምንሕናሕን ኤርትራውያን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተጋዲዱ ይርከብ::

በዚ ምኽንያት ኤርትራውያን ዲያስጶራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተመቓቒሎም ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ወሪዶም ይርከቡ::

‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ታሪኻዊት ባንዴራ ኤርትራ ‘ባንዴራ መለይ’ ባንዴራኡን ኣርማኡን ብምግባር ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ኣዝዩ ዝረሓቐ መርገጺ ብምሓዝ ሰማያዊ ሕብሪ ብምልዓል ‘ሰማያዊ ሰውራ’ ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ ኮይኑ ኣሎ::

ብኣንጻሩ ደገፍቲ ህግደፍ ሕብሪ ማልያታትን ጭርሖታትን እናሻዕ እናቀያየሩ ኣብጎኒ’ቲ ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ክንነብር ኣይከኣልናን ኢሎም ኣብ ቤት ጽሕፈታት ኢሚግረሽን ዝኸስዎ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾኑ ይጭድሩ::

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0